ፀገም ነርቭን ዓፅሚን ዘለወን ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ይወሃብ ኣሎ

ን11 ፀገም ነርቭን ዓፅሚን ዘለወን ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ትሰርሕ ከምዘላ ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት (ROAD-W)

እቲ ግልጋሎት ሕክምና ብምትሕብባር ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ኣብ ኮምፕሪሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ናይ ውልቀ ሕክምና ይከታተላ ከምዘለዋ ኣዳያዲ ስራሕ እታ ትካል ኣይተ ግርማይ ካሕሳይ ገሊፆም።

ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት (ROAD-W) ንሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ኣብ ውልቀን መንግስትን ትካላት ጥዕና ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ተሰርሕት ከምዘላ ኣይተ ግርማይ ገሊፆም።
ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ንዝገበረኦ ገንዘባዊ ሓገዝ ድማ ኣመስጊኖም።

መስራቲትን ኣባል ቦርድን እቲ ትካል(ROAD-W) ተጋዳሊት ኣስካል ገብረ ካብ ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ዝተረኸበ ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ብር 11 ደቂ ኣንስትዮ ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሓገዝ ሕክምና ዝተገበረለን ሓርበኛታት ብወገነን ንዝተገበረለን ሓገዝ ኣመስጊነን።ካልኦት ጉድኣት ዝበፅሐንን ዝበፅሖምን ጉድኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ክስራሕ ድማ ፀዊዐን።

ነዚ ሰናይ ተግባር ካልኦት ኣብ ውሽጥን ወፃኢ ዓድን ዝነብሩ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ድማ ብዝኸኣልዎ ዓቕሚ ክሕግዙ ይግባእ ኢለን እተን ሓርበኛታት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *