ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብኢንቨስትመንት

ሓምሳ ሚኢታዊ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብሰብ ሃፍቲ ቻይና ምልምዑ ተገሊፁ

ቻይና ዓይና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ተዕርፍ ዓመታት ኣቁፂሩ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ካብ ዝገብራ ሃገራት ሓንቲ እውን እያ።

ዝያዳ ርክብ ኢትዮ ቻይና ኣብ ዘመነ ኢህወደግ ዝዓበየ እንትኸውን ብውልቀ ሰባት እቲ ርክብ ክብ ክብል ካብ ዝሰርሑ ስውእ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ይፅርሑ እዮም።

ዝኾነ ኮይኑ ግና ብሓፂሩ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተጀመሩ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ሓምሳ ሚኢታዊ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብሰብ ሃፍቲ ቻይና ምልምዑ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ምስ ቤት ምኽሪ ንግዲ ቻይናን ኤምባሲ ቻይናን ብምዃን ሰብ ሃፍቲ ቻይና ምትብባዕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘተ ገይሩ።

እቲ ዘተ፥ ንሰብ ሃፍቲ ቻይና ምቹእ ከባቢ ኢንቨስትመንት ንምፍጣርን ተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩን ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ሓፈሻዊ ቀጥታ ኢንቨስትመንታት ወፃኢ ቕድሚ ኹሉ እትስራዕ ሃገር ከምዝኾነት ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ 3 ሺሕን 300 ፕሮጀክትታት ተልምዕ ከምዘላ እውን ተሓቢሩ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *