ዶክተር ደብረፅዮን ካብ ዲያስፖራ ንዝተለዓሉ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ

ኣቦ መንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ዶ/ር Debretsion Gebremichael ምስ Community Diaspora ትግራይ ኣብ ዝገበርዎ Zoom Meeting ኣይተ ጌታቸው ረዳን ሌ/ጀ ፃድቃንን ናብ ፕሪቶሪያ ዝተልኣኩ ብሽም መንግስቲ ትግራይ #ተኹሲ_ጠጠው ንምባል ክፈራረሙ ‘ምበር መንግስቲ ትግራይ ንከፍርሱ ፥ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ “Contested Area” ኢሎም ኮነ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ DDR ንክፍፀም ኣይኮነን ኢሎም።

ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብኣውራኡ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውዕሊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ካብዚ ብተወሳኺ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለዋ ርክብ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ጥራሕ ከምዝኾነ ፤ ስያመ ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተስማዕምዑሉ ሰብ ክኸውን ስለዘለዎ ምስ Abiy Ahmed Ali ክንዘራረብ ግድን ስለዝኾነ እዩ ኢሎም።

26 ሕዳር 2017 ዓ/ም ኣብ 4-ኪሎ ቤተመንግስቲ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ዝነበረ ዘተ እቲ ኣጀንዳ ንህወሓት ከምዘይምልከትን ብዛዕባ ህወሓት ከምዘይተዛተዩን ግልጺ ዝገበሩ ዶ/ር ደብረጽዮን እንተኾነ ግና እቲ ጉጅለ ብሄራዊ ጥልመት ከብዱ ዝረገፆ ከይሃለዎ ልዕሊ ብልፅግና ብልጽግና ኮይኑ ሃጠው ቀጠው ክብል ተራእዩ ኢሎም።

ሎሚ ቕነ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ውድባዊ ጉባኤ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ ዶ/ር ደብረጽዮን ዝሃቡዎ መብርሂ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ካብ መፈለምታኡ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዘይህበናን ዓንቃፋይን ሽርሓውን ኣከያይዳ ከምዝኸይድን ስለንፈልጥ ውድብና ኣይጭወን ብመሰረት መተሓዳደሪ ደምቢ ውድብና ሕጋዊ ጉባኤ ክነካይድ ተገዲድና ኢና ኢሎም።

ዶ/ር ደብረጽዮን እቲ ሐዚ ስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ኣብ እዋን ኲናት ሰሚሩ ኣንጻር ጀንሳይደራት ንዝመከተ ብሄራዊ ሓድነትን ስምረትን ህዝቢ ትግራይ እናሸርሸረ እናበታተነ ኣብ ምብኻን ተፀሚዱ ንሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ይሳጥሖ ስለዘሎ ስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዚ ብዝኣልን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዘፈጽምን ኣካል ክመዓራረ ኣለዎ ኢሎም።

ካልእ ኣብቲ Zoom Meeting ዝነበሩ መብርሂ ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና። ኣብ ዩትዮብ ቻነልና ዘሎ ቪድዮ ክትርእንዎ ንዕድመኩም። ሳብስክራንብ ዘንገበርኩም ሳብስክራይብ ክትገብርዎ ድማ ንላቦ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *