ፀለምቲ በዓል ልደት

ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዘሎ ፀገም ሐዚ እውን ኣይተፈተሐን ኣብ ስግኣት ኢና ዘለና ኢሎም።

ሚድያ ሓዱሽ ነገር ስልኪ ደዊሉ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዘሎ እዋዊወ ኩነታት ሓቲቱ ከምዝረኸቦ ” ኣምሓራ ብሽም ሽምግልና መሪሕነት ይቖፃፀርዎ ኣለው” ኢሎም።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መከላኸሊ ኢትዮጵያ ” ንኣምሓራ እዩ ዝውግን ዘሎ” ብምባል ይኸሱ።

እቶም ፀላእቲ “ዕላምኦም ቀስ ብቀስ ንሪፈረንደም ምችው ምግባር እዩ” ኢሎም።

“ሕቶና ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይ ይኹን ንህወሓት ኣቕሪብና ኢና። ክሳብ ሐዚ መፍትሒ የለን።” ዝበሉ ነበርቲ ወረዳ ፀለምቲ “ፀገምና ዝፈትሐልና ዘማእኽለና ሓይሊ የብልናን።” ክብሉ ኣመልኪቶም።

እዋናዊ ኩነታትን ኣሰላለፋን ሓበሬታ ” ብኣምሓራ ኢና ንሰምዖ ዘለና። እቲ ዕላምኦም ድማ ካብ ተከዘ ምላሽ ምውሳድ እዩ።” ኢሎም።

ብድምር ነበርቲ ፀለምቲ በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከቢድ ስግኣት እዩም ዘሕልፎ ዘለው። ሚድያና ከምዘዝረኸቦ ሓበሬታ ኣስታት 1,700 ዝኸውን ህዝቢ ፀለምቲ ህይወቶም ንምትራፍ ናብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰን እንዳባጉናን ደጊሞም ተመዛቢሎም።

እቲ ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ነባሪ ከም ህዝቢ መሰሉን ሃለዋቱን ንምርግጋፅ ይቃለስ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ርኢቶ ወሃብቲ መሪሕነት ግን ክፍተት ከምዘሎ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *