ምፍራስን ዳግም ምጥያሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት) ንኹለ ዘሳተፈ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጣየሽ ፀዊዑ።

ኣመራርሓ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብዝሃብዎ ኣብ ትግራይ ዘሊ ኩለመዳያዊ ፀገማት ንምፍታሕ ንተደራረብቲ ሕቶታት ትግራይ ዝምልስን ” ብሄራዊ ጉባኤ ተፀዊዑ ንኹለ ዘሳተፈ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ይግባእ ኢሎም ።

እቲ ውድብ ኣብ ስለሰተ ጉዳያት ኣድሂቡ መግለጺ ዝሃበ እንትኾን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ዓፋር ሽኸት ተመዛቢሎም ዝመፅኡ ወገናት ኣብ ዝኸፍኣ ኩነታት ከምዝርከቡን ዝከታተሎም ኣካል ከምዘየለ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ዝገለፁ እንትኾን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ዝኾኑ ወገናት ካብ ዝኸፍኣ ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ የምርሕ ኣሎ ኢሎም።

መንግስቲ ሱዳን ገንዘብ ብምቕያሩ ድማ እቲ ፀገም ኣዝዩ ከምዝፀልዎምን ናይ ሃለዋትን ፀጥታን ሓደጋ ከምዘንፀላለዎም ገሊፆም።

ጉዳይ ምርግጋፅ ሉኣላውነት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት እውን ክሳብ ሕዚ ከምዘተመለሰን ናብ ከባቢታት ደቡብን ፀለምትን ዝተመለሱ ወገናት እውን ኣብ ፀገም ከምዘለዎ ኣይተ ኣሉላ ሓቢሮም።

ተመዛበልቲ ወገናት ናብ ቦታኦም ክምለሱስ ይትረፍ ብሓይሊ ብወረርቲ ዝተትሓዙ ግዝኣታት ትግራይ ዕጡቓት እናሰልጠኑ ከምዝርከቡን ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ተከዘ እናሻገሩ ይሰድዎም ምህላዎም ኣቦ ወንበር ሳወት ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ገሊፆም።

ግዝኣታኣዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ተመዛበልቲ ናብ መረብቶም ብስምምዕ ተፃብኦ ደው ምባል ፕሪቶርያ መሰረት ክፍፅም እዚ ዕማም ዝተውሃቦ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክፍፅሞ ከምዘይኽኣለ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ገሊፁ።

ብምዃኑ ድማ ብሄራዊ ጉባኤ ተፀዊዑ ኩሉ ዘሳተፈ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ከምዝጠልብ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ዝጣየሽ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ጠንካራ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ እውን ክህልዎ ሳወት ሓቲቱ ።

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ትግራይ ሓደ ፓለቲካዊ ውድብ እንትሓምም ተሎ ዘይሓምም መንግስቲ ከምዝድልያ ድማ ወሲኹ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ እቲ ውድብ ኣይተ የማነ ካሳ ብወገኖም ናይ ወልቃይት ዘብዒ፥ ናይ ተከዘ ዘብዒ እናተብሃለ ዕጡቓት እናሰልጠኑ እዮም ዝበሉ ኮይኑ ፡ እዚ ድማ ንውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፃባእ ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሕዚ ስልጣን ተቖፃጺሩ ዘሎ ኣካል ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ምምላስ ተምዛበልትን ኣገዳሲ ዛዕባታት ትግራይ ገይሩ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ፀቕጥን ድፍኢትን ክገብር ኣይክኣለን ፡ ኢሉ እውን ውፍይነት የቡሉን ክብሉ ከሲሶም ።

ኣይተ የማነ ብተወሳኪ ኣብቲ ክጣየሽ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣማኻሪ ካወንስል ኮሚቴ ጉዳያት ምርግጋፅ ፍትሕን ትሓታትን ጄኖሳይድ ትግራይ ፣ ኮሚቴ ጉዳያ ምምላስ ተመዛበልቲን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዝብሉ ካብተን 7 ኮሚታት ውሽጢ ክህልው ተስማምዕሚና ዋላ እንተነበርና ኣብ ድንቢ ቁፅሪ 10 /2016 ዓ/ም ዝወፀኣ ሕጊ ግን ከምዘይተኻተተን እዚ ድማ ነዞም ኣጀንዳታት ሒዙ ብውይነት ዝቃለስ መንግስትነት ዝሓዘ ሓይሊ ከምዘየለ ዘርእይ እዩ ክብሉ ገሊፆም ።

ብምዃኑ ድማ ይብል ኣይተ የማነ ካሳ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ንተደራረብቲ ሕቶታት ትግራይ ዝምልስ ብቕልጡፉ ንኹሉ ሓቛፊን ኣስታፊን ፣ መዋፅኦ ዝእንፍት፣ ብተግባር እውን ዝግምግም ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድላይ ከምዝኾነን ነዙይ ንምግባር ድማ ብሄራዊ ጉባኤ ክጣየሽ ከምዘቕረቡን ዝርዝሩ ኣብ ቀጻሊ ዕላዊ ከምዝግበር ኣፍሊጦም ኣለዎ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *