ውዕሎ ሳልሳይ መዓልቲ ስልፊ ይኣክል ድሕሪ ሰዓት እውን ብምቕፃል ደምዳሚ መግለፂ ናብ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣቕሪቦም ።
ደምዳሚ መግለፂ ስልፊ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንትን ፣ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ፡ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ጽሕፈታት ትካላት ሕቡራት መንግስታት ካልኦት ኣካላትን ብምኻድ ድምጺ ህዝቢ ከስምዑ ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልሚ መርሃ ግብሪ ሕዚ ምስ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ ።
ተወከልቲ መተሓባበርቲ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ይኣክል ንሰለስተ መዓልቲ ከካይድዎ ዝቐነዩ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ዝተዳለወ ናይ ፅሑፍ መደምደምታን መልእኽትታን ብምሓዝ ናብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይዶም መብርሂ ሂቦም ።
ፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ እውን ተወከልቲ ሰለማዊ ሰልፊ ይኣክል ሒዘምዎ ዝመፁ ናይ ፅሑፍን ቃልን መልእኽቲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢለምዎም ከምዘለው ካብ ቤት ፅሕፈት ክልል ምምሕዳር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት ።