ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ስራሕ ሓላፍነቶም ተላዒሎም

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ሓላፍነቶን ከምዝተልዓሉ ቐዳማይ ሚንስቴር ኢትዮጵያ ሓቢሮም።

እቶም ቐዳማይ ሚንስቴር ሎሚ ከምዝሓበርዎ ” ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ 62 (9) ፣ ብኣወጅ 359/1995 ኣንቀጽ 15(3) ን ደንቢ ቁጥር 533/2015 ከምኡ ድማ ስምምዕ እማመ ሰላም ፕሪቶርያን፣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ንዘበርከትዎ፣ ብፍላይ ድማ ዝተረኽበ ሰላም ክዕቀብ ንዝነበሮም ልዑል ጥንቃቐን ኣመራርሓን መንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ከምዘለዎን ” ብምሕባር ” ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ እውን ብሓባር ተቐራሪብና ከምእንስራሕን እናረጋገፅኩ፣ ንዝነበሮም ፃንሒት ኣመስግን ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፆም ኣለው ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *