
News

“ጉድኣት ኩናት ትግራይ ሕልፊ ይግበኦም” ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ
ኣብ ከተማ መቐለ ንኣስታት 1026 ጉድኣት ኩናት ትግራይ ንመንበሪ ዝውዕል 140 ካሬ መሬት ምውፃእ ዕፃ ተካይዱ። ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኩናት ጥራሕ ጀጋኑ ንኾነሉ ምዕራፍ ኣብቒዑ ኣብ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ግዛእታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ብትኩረት ከም ዝስራሕ ገሊፆም። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኩሎም መንበሪ…

“ድምፅና ይሰማዕ”
በዓል ሃፍቲ ዝነበረ ኣይተ ኪዳነ ገ/ሚካኤል ብሰንኪ ጆኖሳይድ ትግራይ ሸሞንተ ርእሱ ካብ መረበቱ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ብተደራራቢ ሕማማት እናተሳቀየ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ። ሐዚ እውን ኣይተ ኪዳነን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢን ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ተመዛቢሉን ተፈናቂሉን ከቢድ ዓፀቦ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ “ይኣክል” ይብል ኣሎ። እዚ ፀገም ክፍታሕን ብቅልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱን ማሕበረሰብ ዓለም…

ትራምፕ ቃለ መሓላ ፈፂሞም
ትራምፕ ቃለ መሐላ እንትፍፅሙ ንአመሪካ ዘለዎም ቀፃሊ ትልሚ ተዛሪቦም። “ልኣላውነትና መሊስና ክነኽብር ኢና። ድሕንነትና ዝተሓለወ ክኾን እዩ። ፍትሒ ክረጋገፅ እዩ ።” ኢሎም እዮም። ፕሬዝዳንት ትራምፕ “ቀንዲ ዕላማና ኩርዕ ሃገር ምህናፅ እዩ። ኩሩዕ፣ ነፃን ዝዓበየትን” ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም። ንካልኣይ ግዘ በትረ ስልጣኖም ዝጨበጡ ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ትራምፕ “ኣመሪካ ትቕደም” ብምባል ይፍለጡ።

ምዕባይ መጠን ምዕቋር
ባህሊ መጠን ምዕቋር ህዝቢ ትግራይን ዕንወት ትግራይን ኣብ ግምት ብምእታው ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ መጠን ልቓሕ ሓፍ ከብል ኣለዎ ክብሉ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክቡር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም ። እቶም ፕረዝደት ነዙይ ዝበሉ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ወርሒ ግልጋሎት ዓማዊል ኣብ ዘኽበረሉ መድረኽ እዩ ። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን ነገር ግን…

“ይኣክል” ህወሓት
ኣቦ ወንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ተወከልቲ ሰልፊ ይኣክል ደምዳሚ መግለፂ ተቐቢሎም ምስ ተወከልቲ ተመያይጦም። ተወከልቲ እቲ ሰልፊ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናትና ዝገጥሞም ዘሎ ሓሳረ መከራን ነዚ ንምፍታሕ መሪሕነት ትግራይ ነቲ ኣጀንዳ ቀዳምነት ሂቡ ኣብ ምስራሕ ዘለው ፀገማትን መሰረት ጌሮም ሓሳቦም ዘቕረቡ ኮይኖም ዶ/ር ደብረፅዮን እቲ ፀገም ከምዘሎ…


ኣሚጎስ ልቓሕን ዕቋርን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ሽረ እንዳስላሰ
ኣሚጎስ ልቓሕን ዕቋርን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ስራሕ ጀሚሩ ኣሚጎስ ልቓሖን ዕቋርን ማሕበር ኣብዚ መዚ ሰዓት ልዕሊ 3 ቢልዮን ብር ሃፍቲ ዘለዎ እዩ። ኣስታት 10,000 ኣባላት ዘለዎ እንትኾን ንልዕሊ 4,000 ኣባላት ልዕሊ 5 ቢልዮን ልቓሕ ሂቡ እዩ። ዝበለፀ ኣትራፋይ ንምዃን ኣብ ሽድሽተ ዝተመረፁን ኣትረፍትን ባንክታት ሼር( ኣክስዮን) ኣለዎ። እዚ ኣብ 2005 ዓ/ም ዝተጣየሸ…

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ይኣክል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ኣብፂሑ እዩ። በዚ ኩናት ህይወት ኣማእቲ ኣሽሓት ተቐዚፉ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከክዓኑ፣ ክውረርን ክቃፀልን ተገይሩ እዩ። ንክልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ደማዊ ኩናት ሳላ ክቡር መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን መዘና ኣልቦ ጅግነንት ሰራዊትናን ብውዕሊ ፕሪቶሪያ…

ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ስፔን ተዓዊተን
ኣትሌታት ግርማዊት ገብረእግዚአብሔርን ፎትየን ተሰፋይን ኣብ ውድድር 10 ኪሎሜትሮ Valencia Ibercaja 2025 ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን። ሎሚ ሰንበት ኣብ ስፔን ከተማ ቫለንሽያ ኣብ ዝተካየደ ውድድር 10 ኪሎሜትሮ Valencia Ibercaja 2025 ኣትሌታት ግርማዊት ገብረእግዚአብሔርን ፎትየን ተሰፋይን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ዝነኣድ ውፅኢት ኣመዝጊበን። ነቲ ውድድር ኬንያዊት ኣትሌት ሄለን ኢካላሌ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ ። ኣትሌት ግርማዊት…