
News

ምፍራስን ዳግም ምጥያሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት) ንኹለ ዘሳተፈ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጣየሽ ፀዊዑ። ኣመራርሓ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብዝሃብዎ ኣብ ትግራይ ዘሊ ኩለመዳያዊ ፀገማት ንምፍታሕ ንተደራረብቲ ሕቶታት ትግራይ ዝምልስን ” ብሄራዊ ጉባኤ ተፀዊዑ ንኹለ ዘሳተፈ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ይግባእ ኢሎም ። እቲ ውድብ ኣብ ስለሰተ ጉዳያት ኣድሂቡ መግለጺ…

ኣብ ትግራይ፤ ክሕፈስ ካብ ዝተተለመ ሲሶ ዝኣክል ፍርያት ኣይተረኸበን
ኣብ ትግራይ ክርከብ ዝግብኦ 7 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ክርከብ ኣይተኸኣለን። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ክርከብ ካብ ዝተተለመ ፍርያት ልዕሊ 13 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ጊዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ዘበነ ምህርቲ ዓቕሚ ምፍፃም ብምድንፋዕ መጠንን ፅሬትን መፍረያይነት እቲ ክልል ንምዕባይ…

መልእኽቲ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ፈለማ ንመላእ ኣብ ውሸጥን ኣብ ደገን ትርከብ ተኸታላይ እምነት ክርስትና ዝኾንካ ህዝብና እንኳዕ ንበዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብፅሓካ ኣብፅሓና ክብል ይፈቱ። እዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ እንገብረሉ መድረኽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ መሓውር ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብ ዝነበረ…

ዶክተር ደብረፅዮን ካብ ዲያስፖራ ንዝተለዓሉ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ
ኣቦ መንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ዶ/ር Debretsion Gebremichael ምስ Community Diaspora ትግራይ ኣብ ዝገበርዎ Zoom Meeting ኣይተ ጌታቸው ረዳን ሌ/ጀ ፃድቃንን ናብ ፕሪቶሪያ ዝተልኣኩ ብሽም መንግስቲ ትግራይ #ተኹሲ_ጠጠው ንምባል ክፈራረሙ ‘ምበር መንግስቲ ትግራይ ንከፍርሱ ፥ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ “Contested Area” ኢሎም ኮነ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ DDR ንክፍፀም ኣይኮነን ኢሎም። ውዕሊ ስምምዕ…

ተቓውሞ ምጥያሽ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ኮነ ብሓፈሻ ድማ ብኩለመዳይ ፀገም ትግራይ ንምቕራፍ ግደ መናእሰይ ወሳኒ እዩ። ነዚ ድማ ተሳትፎን ተረባሕነትን መናእሰይ ምርግጋፅ ይግባእ። ተረባሕነትን ፅልዋን መናእሰይ ንምርግጋፅ ብዝብል ዕላማ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተጣይሹ እዩ። ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምጥያሽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል…

ኪዳን ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ
ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ገይረን። ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ፣ ናፅነት ትግራይን ዓረና ንዴሞክራስን ልኡላውነትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ጥምረት መስሪተን። እቲ ጥምረት “ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት” ብዝብል ስም ብዕሊ ዝተመስረተ እንትኾን፣ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ከም ዝተመኻኸሩሉ ኣቦ መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ ገሊፆም። ብሄራዊ ስምረት ብምፍጣር ዝተመረፀ…

ማልት፣ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር እቶት ንምርካብ ትሰርሕ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኣብ 12 ዓበይቲ ከተማታት ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ማሕበረሰብ ካብ ዘሳተፈ ቴሌቶን 1ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር እቶት ንምርካብ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ማልት “ተስፋ ሕዉየት” ብዝብል ቴማ 1.5 ቢልዮን ብር ንምእካብ ዘኽእል ቴሌቶን 17 ጥሪ 2017 ዓ/ም ከም እተካይድ ሎሚ 26 ታሕሳስ ኣብ ዝተዉሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ተሓቢሩ። እቲ ቴሌቶን ማልት…

ምልክት እሳተ ገሞራ ዝኾነ ኣብ ከባቢ ዱለቻ ዝተርኣየ ምፍንጃር ጥንቃቐ የድልዮ
ምልክት እሳተ ገሞራ ዝኾነ ኣብ ከባቢ ዱለቻ ዝተርኣየ ምፍንጃር ጥንቃቐ ከምዘድሊ ተሓቢሩ ምልክት እሳተ ገሞራ ዝኾነ ኣብ ክልል ዓፈር ዞባ ገቢ ረሱል ከባቢ ዱለቻ ዝተርኣየ ምፍንጃር ጥንቃቐ ከምዘድሊ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ። መምህርን ተመራማሪን ከፍሊ ትምህርቲ ስነ ምድሪ እቲ ዩንቨርስቲ ገዛሀኝ ይረጉ(ፕ/ር) ከምዝበልዎ፥ ኣብቲ ከባቢ ትማሊ ዝተርኣየ መፍንጃር እሳተ ገሞራ ከህሊ ከምዝኽአል መርኣዪ ኢዩ ኢሎም።…


ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብኢንቨስትመንት
ሓምሳ ሚኢታዊ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብሰብ ሃፍቲ ቻይና ምልምዑ ተገሊፁ ቻይና ዓይና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ተዕርፍ ዓመታት ኣቁፂሩ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ካብ ዝገብራ ሃገራት ሓንቲ እውን እያ። ዝያዳ ርክብ ኢትዮ ቻይና ኣብ ዘመነ ኢህወደግ ዝዓበየ እንትኸውን ብውልቀ ሰባት እቲ ርክብ ክብ ክብል ካብ ዝሰርሑ ስውእ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ይፅርሑ እዮም። ዝኾነ ኮይኑ ግና ብሓፂሩ…