ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚያ ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚያ ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለዪ ከተማታትን ወረዳታትን ክልል ትግራይ ብናይ ባዕሉ ትራስፖርት ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ናብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ ሓዊሱ ናብ ከተማ ውቕሮ፣ መኾኒ፣ ማይጨው፣ ኣኽሱም፣ ሽረን ዓድዋን ናይ መጎዓዝያ ወፃኢታት ብምሽፋን ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ፋብሪካ…

Read More

ፀገም ነርቭን ዓፅሚን ዘለወን ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ይወሃብ ኣሎ

ን11 ፀገም ነርቭን ዓፅሚን ዘለወን ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ትሰርሕ ከምዘላ ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት (ROAD-W) እቲ ግልጋሎት ሕክምና ብምትሕብባር ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ኣብ ኮምፕሪሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ናይ ውልቀ ሕክምና ይከታተላ ከምዘለዋ ኣዳያዲ ስራሕ እታ ትካል ኣይተ ግርማይ ካሕሳይ ገሊፆም። ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት…

Read More

ከይዲ ህንፀት መንገዲ ምንፃፍ ኣስፋልት ከተማ መቐለ

ከይዲ ህንፀት መንገዲ ምንፃፍ ኣስፋልት ካብ ላዕለዎይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ናብ ሆቴል ሳይዛናን ኣብርሃ ካስትልን ዝወስድ መንገዲ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ መቐለ ዘሳልጦ ዘሎ ህንፀት ኣስፋልት መንገድታት ብምጥንኻር ሎሚ 25 ታሕሳስ 2017 ዓ⁄ም ካልኣይ ዙር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ…

Read More

መግለፂ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ካብ 23-24 ታሕሳስ 2017ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብዝርዝር ተመያይጦም ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በፂሖም ኣለው። እቲ ምይይጥ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘዳለዎ መበገሲ ሰነድ መሰረት…

Read More

ብልዕሊ በጀት ሓደ ዓመት ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዕድጊት ወርቂ ተፈፂሙ

ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ከምዝዓደገ ባንኪ ንግዲ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ገሊፁ። ኣካያዲ ስራሕ ንግዲ ባንኪ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ተኪኤ ግዳይ ንማዕከን ዜና VOA ከምዝገለፅዎትግራይ ዓመታዊ በጀታ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ግን 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ብመስርሕ…

Read More

“ይብፃሕ” ደብዳበ ካብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ናብ ህወሓት

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት) ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንከካይድ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ቦርድ ዝሃቦ መግለፂ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ህወሓት ብመሰረት ምዝገባን ስነ ምግባር ምርጫን ፓርቲታት ፖለቲካ ንምምሕያሽ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋቡ ይፍለጥ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 3 ብፍሉይ ኩነታት ዝተመዝገበ ፓርቲ ካብ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ…

Read More

ኩሎም ኣሜሪካውያን ንካርተር “ናይ ምስጋና ዕዳ” ከም ዘለዎም ትራምፕ ገሊፆም።

11 ደቂ ደቆም 14 ደቂ ደቂ ደቆም ብምርኣይ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዝዓረፉ መራሒ ሃገር ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ትማሊ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዓሪፎም ። ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካብ ካልኦት መራሕቲ እታ ሃገር ዝነውሐ ዕድመ ዝፀንሑ ካርተር፥ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ፕሌይንስ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቶም ኢዮም ዓሪፎም። ፕሬዚዳንት ጆ ባይደንን ምሩፅ…

Read More

ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምሕጋዝ ወሲነን

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ተካይዶ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” እጃሞም ከምዘወፍዩ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ዝርከቡ ወነንቲ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ቃል ኣትዮም። እቶም ካብ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃእፅኡ ወነንቲ ኣፀደ ህፃናት፣ ቀዳማይን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝሳለጥ ዓለምለኻዊ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” ንምስታፍ ብዛዕባ ዝህልዎም…

Read More

ትግራይ ብንእሽተይ ድጋፍ ዓብይ ዓቕሚ ምፍጣር ዝክኣለሉ ጠንካራ ህዝቢ ዝሓዘት እያ -ጌታቸው ረዳ

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ” ትግራይ ብንእሽተይ ድጋፍ ዓብይ ዓቕሚ ምፍጣር ዝክኣለሉ ጠንካራ ህዝቢ ዝሓዘት እያ ” ገሊፆም። ትኹረት ንልምዓት ሕርሻ ትግራይ ፍሉይ ሃገራዊ ሲምፓዝየምን ኤግዚቢሽንን ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፡ ትግራይ ብንእሽተይ ድጋፍ ዓብይ ዓቕሚ ምፍጣር ዝክኣለሉ ጠንካራ ህዝቢ ዝሓዘት እያ ክብሉ ገሊፆም። ልምዓት ሕርሻ ብፅንተታዊ ኩናት ትግራይ…

Read More

ገበን ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀሙ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም

ብገበን ፆታዊ ዓመፅ ጥፍኣተኛታት ዝኾኑ ተኸሰስቲ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም-ማእኸላይ ቤትፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምድብ መጋበኣያ ከተማ ሸራሮ ሓባርን ተሓባባርን ብምዃን ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀሙ ተኸሰስቲ ነፍሰወከፎም ብ25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ፈሪዱ። ትእዛዙ ህሩይ, ክብረይ ኣብርሃለይን ዜናዊ ሓጎስን ዝተብሃሉ ተኸሰስቲ ናብ ገዛ ውልቀ ተበዳሊት ወ/ሮ ማሾ ሓጎስ ብረትን ካራን…

Read More