
Poletics

ገዛዉትኹም ሽላ ዝመስል ድዩ? እመኑኒ
ኣስገደ ፅምብላ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣለኹ።ምስ ሓደ ተጋዳላይ ወላዲ ወግዒ ጀሚርና። ሓደ ታሪኽ ነገሩኒ። እቲ ታሪኽ ኣብ 1970 መወዳእታት – 1980 መፈለምታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓደ ክፍሊ ህዝቢ ነበርቲ እንዳባጉና ኣኪቡ ዝተዛረቦ እዩ። “እንዳባጉና ንምንባርን ንስራሕን ትጥዕም ከምኡ እዉን ሰሓቢት ከተማ ክትኾን ነበርቲ መፋስስ ገዛዉትኹም ሽላ እንትነፍር ዝመስል ንየማንን ፀገምን መፋስስ ዘለዎ ብቆርቆሮ…

መዘራረባይ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ
መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ”ጉባኤ ሕውየትን ተስፋን” ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቐፀልቲ 3 ዓመታት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከብፅሑዋ ተባሂሎም ብኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሓረዩ 13 ኣመራርሓ ቦርድን 5 ቁፅፅር ኮምሽንን ማልት ብምምራፅ ተዛዚሙ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማልት ሕሉፍ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ዓመት፣ ስትራቴጂክ ትልሚ 3 ዓመትን ፀብፃብ ቁፅፅር ኮሚሽንን ቀሪቦም ጉባኤተኛታት ዘትዮም ድሕሪ ምፅዳቖም…

ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዛበልቲ ምምላስ እዩ ፕረዚደንት ታደሰ
ቀንዲ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ከቢድ ናብራ ዝርከብ ተመዛበልቲ ወገናትና ምምላስ እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣክሶዴ ኣብ ፅሕፈት ቤቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ። ፕረዚደንት…

ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ፅዕንቶ ፈጣሪ ዓለምና – Time መፅሄት
Time መፅሄት ናይ ዓለምና ፍሉጣት 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ስም ዝርዝር ኣውፂኡ እዩ። ኣብቲ እቲ መፅሄት ካብ ዝዘርዘሮም ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዓለምና ሓደ ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም እዮም። ኣብቲ ስም ዶክተር ቴዎድሮስ እኒ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ኤለን መስክን ይርከብዎም እዮም። ካልእ ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴዎድሮስ ስም ኣብ ዝሰፈረሉ ናይዚ ዓመት 100 ብሉፃት ፅልዋ ፈጠርቲ ቀዳማይ…

ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ክዝቲ ኣቦወንበር ህወሓት ፀዊዑ
ኣቦወንበር ውብድ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡: ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኮሚቴ ንዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ተኪኦም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተመደቡ እዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ሰናይ እዋን ስራሕ ብምምናይ…

“ግምት ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ክሰርሕ እዩ” ህወሓት
” ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፍና ግቡእና ብምፍፃም ናብቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ምኽባር ልኣላውነትና ቀልጢፍና ከምንኣቱ ይተኣማመን “ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ሰናይ ትምኒት መድረኽ እዩ ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ…

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስሩዕ ስራሖም ጀሚሮም
ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስሩዕ ስራሖም ጀሚሮም ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ስሩዕ ናይ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣኼባ ዘሳለጡ እንትኾን፤ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝሰላሰሉ ዕማማት ኣንፈትን ናይ ስራሕ መምርሕን ሂቦም። ዝህሉ ግዘ ሓፂር ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፤ ሕድሕድ ኣብያተ ዕዮ ናይ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ትልሚ ከሐድስን ኣብ ዝቕፅሉ 12 ኣዋርሕ…

ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ኮይኖም
ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሰክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን ኮይኖም እናሰርሑ ዝፀንሑ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሎሚ 30 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ስራሕ ሓላፍነቶም ተላዒሎም
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ሓላፍነቶን ከምዝተልዓሉ ቐዳማይ ሚንስቴር ኢትዮጵያ ሓቢሮም። እቶም ቐዳማይ ሚንስቴር ሎሚ ከምዝሓበርዎ ” ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ 62 (9) ፣ ብኣወጅ 359/1995 ኣንቀጽ 15(3) ን ደንቢ ቁጥር 533/2015 ከምኡ ድማ ስምምዕ እማመ ሰላም ፕሪቶርያን፣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ፕረዚደንት…

ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!
ካብ ውድብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ! ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ…