ልኡኻት ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ መቐለ

ልኡኻት ሃገራት ኣሜሪካ ፣እንግሊዝ ፣ጣልያን ፣ጀርመን ፣ዴንማርክ ፣ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ምስ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዝታይ ሎሚ 4 ለካቲት 2017 ዓ/ም መቐለ ኣትዮም። እቶም ልኡዃት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ብፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣቀባበላ ተገይሩሎም። እቶም ልኡኻት ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ፣ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣብ…

Read More

በዓል ለካቲት ኣብ ጀርመን

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዮ ልደት ውድብና ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን በዓል 11 ለካቲት ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ተኸቢሩ። ኣብቲ ኣከባብራ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ፕሮፌሰር ክንፈ ኣብርሃ ብዙም zoom ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሓምሳ ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን!

Read More

ኔዘርላንድ ኣብ ጎድኒ ትግራይ

“ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንምሉእ ተፈፃሚ ንክኸውንን ህዝብና ኩለመደያዊ ሓገዛት ንክረክብን መንግስቲ ኔዘርላንድ ዝተጠናኸረ ደገፍ ክትቕፅለሉ።” ፕረዘደንት ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም። ፕረዘደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ክርስቲን ፒረነ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ከምዝገለፅዎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ ተግባራዊ ብዘይምኳኑ ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ሰለ ዘሎ እቲ ስምምዕ መሊኡ ተፈፃሚ ንክከውንን ህዝብና ኩለመደያዊ ሓገዛት ንክረክብን መንግስቲ ኔዘርላንድ ዝገብሮ ሓገዛቱ…

Read More

ምፅራይ ገበን ወርቅን መኣድንን ክጅመር ተወሲኑ

ምፅራይ ወርቅን መኣድንን ናብ ትግበራ ክኣቲ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ቅድም ክብል ብካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ወርቅን መዓድንን ንክፃረ ብዝወሰኖ መሰረት፤ ትማሊ 30 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣካቢ ሓይሊ ዕማም መዓድን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ስራሕቲ ምውፃእ ወርቅን መዓድንን ደው ንክብል ከምኡ እውን ናብ ትግበራ ክእተን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ። እዚ ትእዛዝ ዝሃቡ ምክትል ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል…

Read More

“ጉድኣት ኩናት ትግራይ ሕልፊ ይግበኦም” ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ

ኣብ ከተማ መቐለ ንኣስታት 1026 ጉድኣት ኩናት ትግራይ ንመንበሪ ዝውዕል 140 ካሬ መሬት ምውፃእ ዕፃ ተካይዱ። ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኩናት ጥራሕ ጀጋኑ ንኾነሉ ምዕራፍ ኣብቒዑ ኣብ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ግዛእታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ብትኩረት ከም ዝስራሕ ገሊፆም። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኩሎም መንበሪ…

Read More

“ድምፅና ይሰማዕ”

በዓል ሃፍቲ ዝነበረ ኣይተ ኪዳነ ገ/ሚካኤል ብሰንኪ ጆኖሳይድ ትግራይ ሸሞንተ ርእሱ ካብ መረበቱ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ብተደራራቢ ሕማማት እናተሳቀየ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ። ሐዚ እውን ኣይተ ኪዳነን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢን ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ተመዛቢሉን ተፈናቂሉን ከቢድ ዓፀቦ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ “ይኣክል” ይብል ኣሎ። እዚ ፀገም ክፍታሕን ብቅልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱን ማሕበረሰብ ዓለም…

Read More

ትራምፕ ቃለ መሓላ ፈፂሞም

ትራምፕ ቃለ መሐላ እንትፍፅሙ ንአመሪካ ዘለዎም ቀፃሊ ትልሚ ተዛሪቦም። “ልኣላውነትና መሊስና ክነኽብር ኢና። ድሕንነትና ዝተሓለወ ክኾን እዩ። ፍትሒ ክረጋገፅ እዩ ።” ኢሎም እዮም። ፕሬዝዳንት ትራምፕ “ቀንዲ ዕላማና ኩርዕ ሃገር ምህናፅ እዩ። ኩሩዕ፣ ነፃን ዝዓበየትን” ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም። ንካልኣይ ግዘ በትረ ስልጣኖም ዝጨበጡ ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ትራምፕ “ኣመሪካ ትቕደም” ብምባል ይፍለጡ።

Read More

“ይኣክል” ህወሓት

ኣቦ ወንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ተወከልቲ ሰልፊ ይኣክል ደምዳሚ መግለፂ ተቐቢሎም ምስ ተወከልቲ ተመያይጦም። ተወከልቲ እቲ ሰልፊ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናትና ዝገጥሞም ዘሎ ሓሳረ መከራን ነዚ ንምፍታሕ መሪሕነት ትግራይ ነቲ ኣጀንዳ ቀዳምነት ሂቡ ኣብ ምስራሕ ዘለው ፀገማትን መሰረት ጌሮም ሓሳቦም ዘቕረቡ ኮይኖም ዶ/ር ደብረፅዮን እቲ ፀገም ከምዘሎ…

Read More

ይኣክል

ውዕሎ ሳልሳይ መዓልቲ ስልፊ ይኣክል ድሕሪ ሰዓት እውን ብምቕፃል ደምዳሚ መግለፂ ናብ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣቕሪቦም ። ደምዳሚ መግለፂ ስልፊ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንትን ፣ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ፡ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ጽሕፈታት ትካላት ሕቡራት መንግስታት ካልኦት ኣካላትን ብምኻድ ድምጺ ህዝቢ ከስምዑ ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልሚ መርሃ ግብሪ ሕዚ ምስ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ…

Read More

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ይኣክል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ኣብፂሑ እዩ። በዚ ኩናት ህይወት ኣማእቲ ኣሽሓት ተቐዚፉ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከክዓኑ፣ ክውረርን ክቃፀልን ተገይሩ እዩ። ንክልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ደማዊ ኩናት ሳላ ክቡር መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን መዘና ኣልቦ ጅግነንት ሰራዊትናን ብውዕሊ ፕሪቶሪያ…

Read More