
Social

መበል 267 ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተሰይሞም ። ኣመሪካዊ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ተመሪፆም። ካብ ቤተ ፀሎት ሲስቲን ዝርከብ መውፅኢ ትኪ ፃዕዳ ትኪ ድሕሪ ምውፅኡ ዝተመረፁ ጳጳስ ዕላዊ ኮይኖም። ብመሰረት እዚ ኣብ መበል 88 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣቡነ ፍራንሲስ ዝትክእ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከምዝተመርፀ ንዓለም ተበሲሩ ኣሎ። እቶም ሓድሽ መራሒ እታ ቤተክርስትያን ‘ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ’ ዝብል…


“እኹል ቀረብ ደም የለን” ባንኪ ደም መቐለ
ባንኪ ደም መቐለ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተደራራቢ ፀገማት እኹል ቀረብ ደም ንትካላት ጥዕና ከቕርብ ከምዘይከአለ ገሊፁ።መተሓባበሪ ባንኪ ደም መቐለ ኣይተ መኮነን ኣስፍሃ ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፦ባንኪ ደም መቐለ ፈላማይ ባንኪ ደም ትግራይ ኮይኑ ሐዚ ን32 ትካላት ጥዕና መቐለን ዶቡብ ምብራቕን ፣ምብራቕ ትግራይን ካብ ወለንታውያን ቀወምቲ ለገስቲ ደምን ተምሃሮ ካልኣይ ብርክን ዮኒቨርስትን ደም ኣኪቡ እናቕረበ…

ዝተመዝገበ ታሪኽ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ መዋእላ ሪኢያቶ ዘይትፈልጥ ታሪኽ ኣመዝጊባ ። እቲ ታሪኽ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ንምእካብ ዓሊማ ኣብ ዘሳለጠቶ ዓለምለኸ ቴሌቶን ልዕሊ 710 ሚልዮን ብር ብቃል ከምኡ’ውን ናብ ሒሳብ ባንኪ ቁፅሪ እታ ማሕበር ኣታዊ ኮይኑ እዩ። ማሕበር ልምዓት ትግራይ 17 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየደቶ ዓለምለኸ ቴሌቶን ተስፋ…
ካብ ናይ ትማሊ ቃለመሕተት ጌታቸው ናይ ሎሚ መግለፂ ፤ ካብ ናይ ጌታቸው ክልተ መዓልቲ ናይ ሰራዊት ክልተ ሰሙን
ካብ ናይ ትማሊ ቃለመሕተት ጌታቸው ረዳ ናይ ሎሚ መግለፂ ጌታቸው ረዳ ይጥንክር ግን ድማ ካብ ናይ ጌታቸው መፅብዓ”ክልተ መዓልቲ ተፀበዩኒ” ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ኣብ “ክልተ ሰሙን” ሰሙን ክፍፅምዎ ዝተለምዎ ይጥንክር። ዝኾነ ኮይኑ ክልተ መዓልቲ ኮነ ክልተ ሰሙን ካብ ዝፀናሕናዮ ክልተ ደም ዘፋስስ ኲናት ይኹን ክልተ ዓመት ደውታን ዕንይንይን ኣንበዝሕን። እቲ ዝኸውን ክንርእይ ኢና። ጥራሕ ሰላምና…

ባንኪ ወጋገን ግልጋሎት ሞባይል ዋሌት ወጋገን ኢ-ብር ብዕሊ ጀሚሩ።
ባንኪ ወጋገን ግልጋሎት ሞባይል ዋሌት ወጋገን ኢ-ብር ብዕሊ ጀሚሩ። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሎሚ ዕለት 06 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምጅማር ግልጋሎት ሞባይል ዋሌት ወጋገን ኢ-ብር ፣ ብጀኖሳይዳዊ ኵናት ዝተሃሰየ ዘፈር ቁጠባ ትግራይ ንምንቕቓሕን ዳግመ ህንፀት ንምስላጥን ዘመናዊን ስልጡን ግልጋሎት ባንኪ ተበፃሒ ምግባር ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።
ዕለታዊ ዜና ሓዱሽ ነገር 2/5/2017
1- ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ብቐፃልነት ክሓቶ ናይ ዝፀንሐ ኣካል ዝኾነ ” ናብ መረበትና ክንምለስ ናብ ፕሪቶርያ ንመለስ” ፣” ይኣክል” ብዝብሉ መራሕቲ ሓሳባት ብፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተዳለወ መግለፂ ብሙሉእነት ከምዝድግፍን ንተግባራዊነቱ ኩሉ ዓቕምታቱ ኣተሓባቢሩ ከምዝሰርሕን ኣረጋጊፁ። 2-መስጊድ ነጃሺ ንመላእ ዓለም ንምልላይን መስሕብ ቱሪዝም ንምግባርን ዕላማ ኣብ ዝገበረ ሲምፖዚየም ዝሳተፉ ዓበይቲ መሻኢኽ ዘትዮም። 3-መወሰኒ ፍጥነት(speed…

ኣመሪካ ጆኖሳይድ ሱዳን ብስሙ ፀዊዓቶ፤ ናይ ትግራይ ኸ?
ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ጌይሩ። ሱዳን ገጢምዋ ዘሎ ከቢድ ኲናትን ኣብ ህዝቢ ዘንፀላለወ ሓደጋን ኣመልኪቱ መግለፂ ዘውፀአ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ ኣብታ ሃገር ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ገሊፁ። ሓይሊታት ወሃብቲ ህፁፅ ደግፍ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጀኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር…

ፀለምቲ በዓል ልደት
ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዘሎ ፀገም ሐዚ እውን ኣይተፈተሐን ኣብ ስግኣት ኢና ዘለና ኢሎም። ሚድያ ሓዱሽ ነገር ስልኪ ደዊሉ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዘሎ እዋዊወ ኩነታት ሓቲቱ ከምዝረኸቦ ” ኣምሓራ ብሽም ሽምግልና መሪሕነት ይቖፃፀርዎ ኣለው” ኢሎም። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መከላኸሊ ኢትዮጵያ ” ንኣምሓራ እዩ ዝውግን ዘሎ” ብምባል ይኸሱ። እቶም ፀላእቲ “ዕላምኦም ቀስ ብቀስ ንሪፈረንደም ምችው ምግባር እዩ”…

መግለፂ ሰራዊት ትግራይ
ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሂቦም ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘጋጠመ ፍልልያት ብምግልላፍ ዘይኮነስ ብምቅርራብ ንኽፍታሕ ዝግበር ዝነበረ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ዘይምስማሩ ስዒቡ እቲ ፍልልያት ናብ ህዝብን ካልኦትን ክዘልቕ ምግባሩ ንዘለው ፀገማት የጋድዱ ከምዘለው ምክትል ፕረዚደንት ጊ/ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሮም። ኢብዚ ሐዚ እዋን እቲ ሓደ ንቲ ሓደ ብምግልላፍን ብምፅራግን ንዘለው ፀገማት ክትፈትሖ ምፍታን ንቲ ዝነበረ ፍልልያት ኸግፈሖን…