ፍትሓዊ ክፍፍል ማይ ከተማ መቐለ?

ፍትሓዊ ክፍፍል ማይ ንክህሉ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ምክትል ስራሕ ኣካያዲን መተሓባባሪ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ቐረብ መስተ ማይን ኣይተ ብርሃኑ ገ/ኪሮስ ከምዝሓበርዎ ፤ፍትሓዊ ክፍፍል ማይ ንምርግጋጽ ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ፡ ይኹን እምበር ኣብ ህንፀት መንገዲ ምቁርራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ለይቲ…

Read More

ፀገም ነርቭን ዓፅሚን ዘለወን ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ይወሃብ ኣሎ

ን11 ፀገም ነርቭን ዓፅሚን ዘለወን ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ትሰርሕ ከምዘላ ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት (ROAD-W) እቲ ግልጋሎት ሕክምና ብምትሕብባር ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ኣብ ኮምፕሪሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ናይ ውልቀ ሕክምና ይከታተላ ከምዘለዋ ኣዳያዲ ስራሕ እታ ትካል ኣይተ ግርማይ ካሕሳይ ገሊፆም። ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት…

Read More

ኩሎም ኣሜሪካውያን ንካርተር “ናይ ምስጋና ዕዳ” ከም ዘለዎም ትራምፕ ገሊፆም።

11 ደቂ ደቆም 14 ደቂ ደቂ ደቆም ብምርኣይ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዝዓረፉ መራሒ ሃገር ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ትማሊ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዓሪፎም ። ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካብ ካልኦት መራሕቲ እታ ሃገር ዝነውሐ ዕድመ ዝፀንሑ ካርተር፥ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ፕሌይንስ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቶም ኢዮም ዓሪፎም። ፕሬዚዳንት ጆ ባይደንን ምሩፅ…

Read More

ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምሕጋዝ ወሲነን

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ተካይዶ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” እጃሞም ከምዘወፍዩ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ዝርከቡ ወነንቲ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ቃል ኣትዮም። እቶም ካብ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃእፅኡ ወነንቲ ኣፀደ ህፃናት፣ ቀዳማይን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝሳለጥ ዓለምለኻዊ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” ንምስታፍ ብዛዕባ ዝህልዎም…

Read More

ኣብ ደቡብ ኮርያ ነፋሪት ተሓምሺሻ

ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ጀጁ ዝኾነት ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ደቡብ ኮርያ ተሓምሺሻ። ልዕሊ 120 ተሳፊሮም ዝነበሩ መንገደተኛታት ሞይቶም። እታ ካብ ባንኮክ ታይላንድ ናብ ደቡብ ኮርያ 175 ተሳፈርትን 6 ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ኣሳፊራ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙያንግ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን’ያ ተሓምሺሻ ዘላ። ትካል መጥፋእቲ ሓዊን ወሃብቲ ህፁፅ ረድኤትን ደቡብ ኮርያ ዛጊድ…

Read More

“ብሰንኺ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቕና” ተመዛበልቲ

ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣዕቂቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኺ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቆም ይርከቡ ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰለስተ ህፃናት ሓዊሱ 62 ተመዛበልቲ ወገናት ንሞት ከምዝተቓልዑ ንደውት ሓቢሮም ። ኣብ ማእኸል መዕቆቢ 2ይ ብርኺ ቤት ትምህርቲ ንግሰተ ሳባ ቀፁሪ 1 ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንድወት ከምዝገለፅሉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ፎቆድኡ…

Read More

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ተሸሊሙ

ብኣንቴክስ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ብብርኪ ሃገር ብዘፈር ኢኮኖሚ( ፈጠራ ስራሕ ዕድልን ኣስተዋጽኦ ማህበራዊ ድጋፋትን) መንእሰይ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ሕፁያት ተነሓናሕቲ ምንባሮም ይፍለጥ። ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣደራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ መድረኽ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ተሸላሚ ሰርቲፊከትን ዋንጫን ብምዃን ብብርኪ ሃገር ንኩለመዳይ ስራሕቱን ማሕበራዊ ኣስተዋፅኦን ኣፍልጦ ተዋሂቦም ።

Read More

“እህህ እህህ እያ እህህ እህህ ” በሎ በለት

ሓደ እዋን ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ዝተመርዐወት ግን ድማ ለባም ዝኾነት መርዓት። ነገራት ከይተባላሽው ዓዲ መርዓዊ ከምገዝኣ ክትርእዮ ተባሂሉ ንእሽተን ሓዋ እውን ምስኣ ወረደ። ድሕሪ ዝተመሰነ መዓልቲ ሓዋ ናብ እንዳቡኡ ክኸይድ እንትብል እታ መርዓት ብሓዋ ገይራ ነቦኣ መልእኽቲ ለኣኸት። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ናይሎሚ ቴክኖሎጂ እዩ ኮዲንግ እዩ ዝመስል “ነያይ እህህ እህህ እያ እህህ እህህ ” በሎ…

Read More