ነበርቲ ፀለምቲ ደጊሞም ይመዛበሉ ኣለው!

ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተጋሂሱ ዕጡቓት ምልሻ ኣምሓራ ብሓይሊ ንገለ ክፋል ፀለምቲ ከምዝተቆፃፀሩን ነበርቲ ተመሊሶም ይመዛበሉ ከምዘለው ተገሊፁ። ብሰንኪ ጆኖሳይድ ኩናት ትግራይ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ተጋሩ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ደዋላ እኳ ናብ መረበቶም እንተተመለሱ ዘተኣማምን ደሕንነትን ሰላምን ከምዘይረኸቡ እናገለፁ ፀኒሖም እዮም። እቶም ተጋሩ ብተደጋጋሚ መንግስቲ ብመሰረት እቲ ውዕሊ ውሑስ ከለላ ሰላም ኣይገበረልናን እግሪ መትኸሊ ኣይሃበናን ኢሎም…

Read More

ከይዲ ህንፀት መንገዲ ምንፃፍ ኣስፋልት ከተማ መቐለ

ከይዲ ህንፀት መንገዲ ምንፃፍ ኣስፋልት ካብ ላዕለዎይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ናብ ሆቴል ሳይዛናን ኣብርሃ ካስትልን ዝወስድ መንገዲ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ መቐለ ዘሳልጦ ዘሎ ህንፀት ኣስፋልት መንገድታት ብምጥንኻር ሎሚ 25 ታሕሳስ 2017 ዓ⁄ም ካልኣይ ዙር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ…

Read More

ኣሚጎስ ልቓሕን ዕቋርን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ሽረ እንዳስላሰ

ኣሚጎስ ልቓሕን ዕቋርን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ስራሕ ጀሚሩ ኣሚጎስ ልቓሖን ዕቋርን ማሕበር ኣብዚ መዚ ሰዓት ልዕሊ 3 ቢልዮን ብር ሃፍቲ ዘለዎ እዩ። ኣስታት 10,000 ኣባላት ዘለዎ እንትኾን ንልዕሊ 4,000 ኣባላት ልዕሊ 5 ቢልዮን ልቓሕ ሂቡ እዩ። ዝበለፀ ኣትራፋይ ንምዃን ኣብ ሽድሽተ ዝተመረፁን ኣትረፍትን ባንክታት ሼር( ኣክስዮን) ኣለዎ። እዚ ኣብ 2005 ዓ/ም ዝተጣየሸ…

Read More

ኩሎም ኣሜሪካውያን ንካርተር “ናይ ምስጋና ዕዳ” ከም ዘለዎም ትራምፕ ገሊፆም።

11 ደቂ ደቆም 14 ደቂ ደቂ ደቆም ብምርኣይ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዝዓረፉ መራሒ ሃገር ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ትማሊ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዓሪፎም ። ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካብ ካልኦት መራሕቲ እታ ሃገር ዝነውሐ ዕድመ ዝፀንሑ ካርተር፥ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ፕሌይንስ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቶም ኢዮም ዓሪፎም። ፕሬዚዳንት ጆ ባይደንን ምሩፅ…

Read More

“እኹል ቀረብ ደም የለን” ባንኪ ደም መቐለ

ባንኪ ደም መቐለ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተደራራቢ ፀገማት እኹል ቀረብ ደም ንትካላት ጥዕና ከቕርብ ከምዘይከአለ ገሊፁ።‎‎መተሓባበሪ ባንኪ ደም መቐለ ኣይተ መኮነን ኣስፍሃ ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፦ባንኪ ደም መቐለ ፈላማይ ባንኪ ደም ትግራይ ኮይኑ ሐዚ ን32 ትካላት ጥዕና መቐለን ዶቡብ ምብራቕን ፣ምብራቕ ትግራይን ካብ ወለንታውያን ቀወምቲ ለገስቲ ደምን ተምሃሮ ካልኣይ ብርክን ዮኒቨርስትን ደም ኣኪቡ እናቕረበ…

Read More

ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ኮይኖም

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሰክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን ኮይኖም እናሰርሑ ዝፀንሑ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሎሚ 30 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

Read More

ካብ ናይ ትማሊ ቃለመሕተት ጌታቸው ናይ ሎሚ መግለፂ ፤ ካብ ናይ ጌታቸው ክልተ መዓልቲ ናይ ሰራዊት ክልተ ሰሙን

ካብ ናይ ትማሊ ቃለመሕተት ጌታቸው ረዳ ናይ ሎሚ መግለፂ ጌታቸው ረዳ ይጥንክር ግን ድማ ካብ ናይ ጌታቸው መፅብዓ”ክልተ መዓልቲ ተፀበዩኒ” ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ኣብ “ክልተ ሰሙን” ሰሙን ክፍፅምዎ ዝተለምዎ ይጥንክር። ዝኾነ ኮይኑ ክልተ መዓልቲ ኮነ ክልተ ሰሙን ካብ ዝፀናሕናዮ ክልተ ደም ዘፋስስ ኲናት ይኹን ክልተ ዓመት ደውታን ዕንይንይን ኣንበዝሕን። እቲ ዝኸውን ክንርእይ ኢና። ጥራሕ ሰላምና…

Read More

“ድምፅና ይሰማዕ”

በዓል ሃፍቲ ዝነበረ ኣይተ ኪዳነ ገ/ሚካኤል ብሰንኪ ጆኖሳይድ ትግራይ ሸሞንተ ርእሱ ካብ መረበቱ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ብተደራራቢ ሕማማት እናተሳቀየ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ። ሐዚ እውን ኣይተ ኪዳነን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢን ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ተመዛቢሉን ተፈናቂሉን ከቢድ ዓፀቦ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ “ይኣክል” ይብል ኣሎ። እዚ ፀገም ክፍታሕን ብቅልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱን ማሕበረሰብ ዓለም…

Read More

“ጉድኣት ኩናት ትግራይ ሕልፊ ይግበኦም” ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ

ኣብ ከተማ መቐለ ንኣስታት 1026 ጉድኣት ኩናት ትግራይ ንመንበሪ ዝውዕል 140 ካሬ መሬት ምውፃእ ዕፃ ተካይዱ። ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኩናት ጥራሕ ጀጋኑ ንኾነሉ ምዕራፍ ኣብቒዑ ኣብ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ግዛእታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ብትኩረት ከም ዝስራሕ ገሊፆም። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኩሎም መንበሪ…

Read More