
ነበርቲ ፀለምቲ ደጊሞም ይመዛበሉ ኣለው
ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተጣሒሱ ዕጡቓት ምልሻ ኣምሓራ ብሓይሊ ንገለ ክፋል ፀለምቲ ከምዝተቆፃፀሩን ነበርቲ ተመሊሶም ይመዛበሉ ከምዘለው ተገሊፁ። ብሰንኪ ጆኖሳይድ ኩናት ትግራይ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ተጋሩ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ደዋላ እኳ ናብ መረበቶም እንተተመለሱ ዘተኣማምን ደሕንነትን ሰላምን ከምዘይረኸቡ እናገለፁ ፀኒሖም እዮም። እቶም ተጋሩ ብተደጋጋሚ መንግስቲ ብመሰረት እቲ ውዕሊ ውሑስ ከለላ ሰላም ኣይገበረልናን እግሪ መትኸሊ ኣይሃበናን ኢሎም…