
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ይኣክል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ኣብፂሑ እዩ። በዚ ኩናት ህይወት ኣማእቲ ኣሽሓት ተቐዚፉ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከክዓኑ፣ ክውረርን ክቃፀልን ተገይሩ እዩ። ንክልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ደማዊ ኩናት ሳላ ክቡር መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን መዘና ኣልቦ ጅግነንት ሰራዊትናን ብውዕሊ ፕሪቶሪያ…