ምፅራይ ገበን ወርቅን መኣድንን ክጅመር ተወሲኑ

ምፅራይ ወርቅን መኣድንን ናብ ትግበራ ክኣቲ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ቅድም ክብል ብካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ወርቅን መዓድንን ንክፃረ ብዝወሰኖ መሰረት፤ ትማሊ 30 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣካቢ ሓይሊ ዕማም መዓድን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ስራሕቲ ምውፃእ ወርቅን መዓድንን ደው ንክብል ከምኡ እውን ናብ ትግበራ ክእተን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ። እዚ ትእዛዝ ዝሃቡ ምክትል ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል…

Read More

ተቓውሞ ምጥያሽ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ኮነ ብሓፈሻ ድማ ብኩለመዳይ ፀገም ትግራይ ንምቕራፍ ግደ መናእሰይ ወሳኒ እዩ። ነዚ ድማ ተሳትፎን ተረባሕነትን መናእሰይ ምርግጋፅ ይግባእ። ተረባሕነትን ፅልዋን መናእሰይ ንምርግጋፅ ብዝብል ዕላማ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተጣይሹ እዩ። ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምጥያሽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል…

Read More

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ድሒኖም

እሱራት ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንክፍትሑ ንምዝርራብን ኩነታት ጥዕናን ሰብኣውነትን ንምግምጋምን ናብ የመን ዝገሹ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ድሒኖም ። ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘካፈልዎ ሓበሬታ፣ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝነበርሉ ቕፅበት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝተኻየደ ፅዑቕ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝደሓኑ ሓቢሮም ።…

Read More

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ስራሕ ሓላፍነቶም ተላዒሎም

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ሓላፍነቶን ከምዝተልዓሉ ቐዳማይ ሚንስቴር ኢትዮጵያ ሓቢሮም። እቶም ቐዳማይ ሚንስቴር ሎሚ ከምዝሓበርዎ ” ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ 62 (9) ፣ ብኣወጅ 359/1995 ኣንቀጽ 15(3) ን ደንቢ ቁጥር 533/2015 ከምኡ ድማ ስምምዕ እማመ ሰላም ፕሪቶርያን፣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ፕረዚደንት…

Read More

ፃውዒት ህወሓት ወፍሪ “እምቢታ”

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) “ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኢላ ትፅውዖ” ጉጅለ ስልጣን ህዝቢ ብዘይኣግባብ ንምምንጣል ኩሉ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይፍፅም ከምዘሎ ደጋጊማ ገሊፀ እያ። ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ወፍሪ እምቢታ መናእሰይ ኣመያይጡ እዩ። ነቲ መድረኽ መሪሑ ዘመያየጠ ኣይተ ኣማኑኤል ህዝብና ልኣላዊ ዋንነት ስልጣኑ ብዝንዕቑን ዘነኣእሱን…

Read More

ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ኮይኖም

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሰክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን ኮይኖም እናሰርሑ ዝፀንሑ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሎሚ 30 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

Read More

ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት እጃሙ ንኽዋፃእ ይስራሕ ኣሎ

ፕሮግራም ሴፍቲኔት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ንኽዋፃእ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ፡ መተሓባበሪ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔትን ውሕስና ምግቢን ኣይተ መሓሪ ሕሸ ቀንዲ ጠመተ እቲ ፕሮግራም ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ከም ስራሕቲ ልምዓት ዕቃባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝበሉ ልምዓት ሕብረተሰብ ዝንቀሳቐሱሉ ሓገዝ ብምግባር ውሕስና ምግቢ ከረጋግፁ ምግባር ኢዩ ኢሎም ፡፡ ኣብዚ ዓመት ከም…

Read More