ብልዕሊ በጀት ሓደ ዓመት ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዕድጊት ወርቂ ተፈፂሙ

ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ከምዝዓደገ ባንኪ ንግዲ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ገሊፁ። ኣካያዲ ስራሕ ንግዲ ባንኪ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ተኪኤ ግዳይ ንማዕከን ዜና VOA ከምዝገለፅዎትግራይ ዓመታዊ በጀታ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ግን 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ብመስርሕ…

Read More

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚያ ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚያ ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለዪ ከተማታትን ወረዳታትን ክልል ትግራይ ብናይ ባዕሉ ትራስፖርት ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ናብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ ሓዊሱ ናብ ከተማ ውቕሮ፣ መኾኒ፣ ማይጨው፣ ኣኽሱም፣ ሽረን ዓድዋን ናይ መጎዓዝያ ወፃኢታት ብምሽፋን ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ፋብሪካ…

Read More

ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምሕጋዝ ወሲነን

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ተካይዶ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” እጃሞም ከምዘወፍዩ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ዝርከቡ ወነንቲ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ቃል ኣትዮም። እቶም ካብ 31 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃእፅኡ ወነንቲ ኣፀደ ህፃናት፣ ቀዳማይን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ 3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝሳለጥ ዓለምለኻዊ ቴሌቶን “ተስፋ ሕውየት” ንምስታፍ ብዛዕባ ዝህልዎም…

Read More

ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!

ካብ ውድብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ! ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ…

Read More

ካብ ንእሽቶ ገጠር ንኢንተርናሽናል ሞዴል ዝበቕዐት ዕውትቲ፡ ራሄል ዘመን፡

ካብ ሑመራ ኣስታት 110 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዳንሻ ዝተባህለ ንእሽቶ ገጠር ካብ ሓረስቶት ስድራቤት ተወሊዳ። ኣብኡ ድማ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂራ። ከም ጓል ሓረስታይ እግሪ እግሪ ኣቦኣ እናኸደት ጻህያይ ክትጽሂ፡ ክትጉልጕል ክትሓርስን ብዘይካኡ እውን መንገዲ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ብምኻድ ዓየይቲ ተዋፍር ህርኩትቲ መንእሰይ እያ ነይራ። ስራሕ ሕርሻ ትፈትዎ፣ ኣብ ትሕቲ ስድራቤታ ኸኣ…

Read More

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ይኣክል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ኣብፂሑ እዩ። በዚ ኩናት ህይወት ኣማእቲ ኣሽሓት ተቐዚፉ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከክዓኑ፣ ክውረርን ክቃፀልን ተገይሩ እዩ። ንክልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ደማዊ ኩናት ሳላ ክቡር መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን መዘና ኣልቦ ጅግነንት ሰራዊትናን ብውዕሊ ፕሪቶሪያ…

Read More

ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ክዝቲ ኣቦወንበር ህወሓት ፀዊዑ

ኣቦወንበር ውብድ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡: ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኮሚቴ ንዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ተኪኦም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተመደቡ እዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ሰናይ እዋን ስራሕ ብምምናይ…

Read More

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስሩዕ ስራሖም ጀሚሮም

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስሩዕ ስራሖም ጀሚሮም ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ስሩዕ ናይ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣኼባ ዘሳለጡ እንትኾን፤ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝሰላሰሉ ዕማማት ኣንፈትን ናይ ስራሕ መምርሕን ሂቦም። ዝህሉ ግዘ ሓፂር ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፤ ሕድሕድ ኣብያተ ዕዮ ናይ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ትልሚ ከሐድስን ኣብ ዝቕፅሉ 12 ኣዋርሕ…

Read More

ውላድ ነፍስሄር ኣትሌት ሙሩፅ ይፍጠር ዝኾነ ቢንያም ሙሩፅ ይፍጠር ልዑል ድምፂ ብምርካብ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመሪፁ።

ቢንያም ሙሩፅ ይፍጠር ኣፍቲ ሎምዓንቲ ዝተሰላሰለ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌደሬሽን ካብ ሞንጎ ዝተነሓንሑ ኣካላት እቲ ዝለዓለ ድምፂ ብምርካብ’ዩ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኮይኑ ተሓርዩ። ንፕረዚዳንትነት እቲ ፌደሬሽን ዝተነሓነሐ ኣትሌት ገ/ሔር ገ/ማርያም ሑፁይ ኮይኑ ቀሪቡ’ኳ እንተነበረ ኣይቀንዖን። ኣትሌት ስለሺ ስሂን ፕረዚደንት ኮይኑ ተሓርዩ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኣብ ሃገረ ፓሪስ ኣብ ዝተሰላሰለ…

Read More