ሕፅረት ነዳዲ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ንዘሎ ጠለብ ነዳዲ ዝምጥን ቀረብ ክኣቱ ዘይምኽኣሉ ስዒቡ ፡ ሕፅረት ነዳዲ ከምዘጋጠመ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣፍሊጡ ። ናይ ኢንዳስትሪ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ዝመሳሰሉ ዝውሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ነዳዲ ደው ከምዝበለ እውን ተገሊፁ። ሓላፊ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ገብረመሰቀል ታረቀ ሕፅረት ነዳዲን ፅዕንቶ ምሕደርኡን ዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ሂቦም ኣለዉ ። ኣብ 2012 ዓ/ም…

Read More

ይኣክል

ውዕሎ ሳልሳይ መዓልቲ ስልፊ ይኣክል ድሕሪ ሰዓት እውን ብምቕፃል ደምዳሚ መግለፂ ናብ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣቕሪቦም ። ደምዳሚ መግለፂ ስልፊ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንትን ፣ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ፡ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ጽሕፈታት ትካላት ሕቡራት መንግስታት ካልኦት ኣካላትን ብምኻድ ድምጺ ህዝቢ ከስምዑ ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልሚ መርሃ ግብሪ ሕዚ ምስ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ…

Read More

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ተሸሊሙ

ብኣንቴክስ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ብብርኪ ሃገር ብዘፈር ኢኮኖሚ( ፈጠራ ስራሕ ዕድልን ኣስተዋጽኦ ማህበራዊ ድጋፋትን) መንእሰይ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ሕፁያት ተነሓናሕቲ ምንባሮም ይፍለጥ። ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣደራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ መድረኽ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ተሸላሚ ሰርቲፊከትን ዋንጫን ብምዃን ብብርኪ ሃገር ንኩለመዳይ ስራሕቱን ማሕበራዊ ኣስተዋፅኦን ኣፍልጦ ተዋሂቦም ።

Read More

“ግምት ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ክሰርሕ እዩ” ህወሓት

” ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፍና ግቡእና ብምፍፃም ናብቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ምኽባር ልኣላውነትና ቀልጢፍና ከምንኣቱ ይተኣማመን “ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ሰናይ ትምኒት መድረኽ እዩ ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ…

Read More

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚያ ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚያ ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለዪ ከተማታትን ወረዳታትን ክልል ትግራይ ብናይ ባዕሉ ትራስፖርት ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ናብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ ሓዊሱ ናብ ከተማ ውቕሮ፣ መኾኒ፣ ማይጨው፣ ኣኽሱም፣ ሽረን ዓድዋን ናይ መጎዓዝያ ወፃኢታት ብምሽፋን ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ፋብሪካ…

Read More

ኪዳን ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ

ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ገይረን። ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ፣ ናፅነት ትግራይን ዓረና ንዴሞክራስን ልኡላውነትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ጥምረት መስሪተን። እቲ ጥምረት “ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት” ብዝብል ስም ብዕሊ ዝተመስረተ እንትኾን፣ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ከም ዝተመኻኸሩሉ ኣቦ መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ ገሊፆም። ብሄራዊ ስምረት ብምፍጣር ዝተመረፀ…

Read More

ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ኮይኖም

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሰክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን ኮይኖም እናሰርሑ ዝፀንሑ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሎሚ 30 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።

Read More

“ብላዕ”

ኣብቲ ዕፅዋን ክባን ግዘ ሓደ ዝብላዕ ዝለሓስ እኽሊ ዘይብሉ ሰብኣይ ደቁ ብጥምየት ከይሞትዎ ተጨነቐ። ኣብ ጎረቤቱ ድማ ኩል ግዘ ጠራዕ ኢሎም። “ብላዕ። ኣንታ ብላዕ” ዝብል ድምፂ ይስማዕ እዩ። እቲ ብጥሜት ዝኸፍኦ ሰብኣይ ደቁ ንምዕንጋል ሃፅ ኢሉ ከይጠፍእ ዕፅዋን ክባን ኮኖ። ከይሰርሕ መንቀሳቐሲ የለን። ዘለዎ መማረፂ ናብቲ ጎረቤቱ ኸይዱ ካብቲ ዝበልዕዎ ዝተወሰነ ነገር ምልማን እዩ። ከይዱ…

Read More