ብልዕሊ በጀት ሓደ ዓመት ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዕድጊት ወርቂ ተፈፂሙ

ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ከምዝዓደገ ባንኪ ንግዲ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ገሊፁ። ኣካያዲ ስራሕ ንግዲ ባንኪ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ተኪኤ ግዳይ ንማዕከን ዜና VOA ከምዝገለፅዎትግራይ ዓመታዊ በጀታ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ግን 132 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ብመስርሕ…

Read More

ንዛተ

ካብ ሓይልታት ፅንተት ኢድ ወፃእ ዝርከቡ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) መድረኽ እምቢታ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እናሳለጠት እያ። ብዛዕባ እቲ መድረኽ “እምቢታ” ዘለኩም ርኢቶ ኣብ ርእይቶ መፅሐፊ ኣካፍሉና።

Read More

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ጎልጎል ራያ ኣብ ኢድ ኢንቨስተራት ዘሎ መሬት መብዛሕትኡ ክለምዕ ብዘይምኽኣሉ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ይኸውን ምህላዉ ተገሊፁ ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ጎልጎል ራያ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ንኢንቨቲመንት ሕርሻ ክውዕል ተባህሉ ንኢንቨስተራት ካብ ዝተወሃበ መሬት መብዛሕቲኡ ክለምዕ ዘይምኽኣሉን እቲ ዝለምዕ ዘሎ እውን በቲ ውዕሊ መሰረት ብዘይምልመዖምን ካብኡ ክርከብ ዝግበኦ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ካብ ምስኣን ብተወሳኺ ጠንቂ ሰናይምምሕዳር እተን ወረዳታት ይኸውን ምህላዉ ኣመራርሓ እተን ወረዳታት ገሊፆም ። እቶም ኣመራርሓ እዚ ዝገለፁ 13 ታሕሳስ…

Read More

ኣሚጎስ ልቓሕን ዕቋርን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ሽረ እንዳስላሰ

ኣሚጎስ ልቓሕን ዕቋርን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ስራሕ ጀሚሩ ኣሚጎስ ልቓሖን ዕቋርን ማሕበር ኣብዚ መዚ ሰዓት ልዕሊ 3 ቢልዮን ብር ሃፍቲ ዘለዎ እዩ። ኣስታት 10,000 ኣባላት ዘለዎ እንትኾን ንልዕሊ 4,000 ኣባላት ልዕሊ 5 ቢልዮን ልቓሕ ሂቡ እዩ። ዝበለፀ ኣትራፋይ ንምዃን ኣብ ሽድሽተ ዝተመረፁን ኣትረፍትን ባንክታት ሼር( ኣክስዮን) ኣለዎ። እዚ ኣብ 2005 ዓ/ም ዝተጣየሸ…

Read More

ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ክዝቲ ኣቦወንበር ህወሓት ፀዊዑ

ኣቦወንበር ውብድ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡: ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኮሚቴ ንዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ተኪኦም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተመደቡ እዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ሰናይ እዋን ስራሕ ብምምናይ…

Read More

ፀለምቲ በዓል ልደት

ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዘሎ ፀገም ሐዚ እውን ኣይተፈተሐን ኣብ ስግኣት ኢና ዘለና ኢሎም። ሚድያ ሓዱሽ ነገር ስልኪ ደዊሉ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዘሎ እዋዊወ ኩነታት ሓቲቱ ከምዝረኸቦ ” ኣምሓራ ብሽም ሽምግልና መሪሕነት ይቖፃፀርዎ ኣለው” ኢሎም። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መከላኸሊ ኢትዮጵያ ” ንኣምሓራ እዩ ዝውግን ዘሎ” ብምባል ይኸሱ። እቶም ፀላእቲ “ዕላምኦም ቀስ ብቀስ ንሪፈረንደም ምችው ምግባር እዩ”…

Read More

ኔዘርላንድ ኣብ ጎድኒ ትግራይ

“ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንምሉእ ተፈፃሚ ንክኸውንን ህዝብና ኩለመደያዊ ሓገዛት ንክረክብን መንግስቲ ኔዘርላንድ ዝተጠናኸረ ደገፍ ክትቕፅለሉ።” ፕረዘደንት ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም። ፕረዘደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ክርስቲን ፒረነ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ከምዝገለፅዎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ ተግባራዊ ብዘይምኳኑ ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ሰለ ዘሎ እቲ ስምምዕ መሊኡ ተፈፃሚ ንክከውንን ህዝብና ኩለመደያዊ ሓገዛት ንክረክብን መንግስቲ ኔዘርላንድ ዝገብሮ ሓገዛቱ…

Read More

ብሰንኪ ምቁርራፅ መብራህትን ሕፅረት ትራንስፎርመርን ንምንባርን ንስራሕን ከምዝተፀገሙ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ምቁርራፅ መብራህትን ሕፅረት ትራንስፎርመርን ንምንባርን ንስራሕን ከምዝተፀገሙ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቢሮም። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ምቁርራፅ መብራህትን ሕፅረት ትራንስፎርመርን 1050 ትካላት ማኑፋክቸሪንግ ስርሐን ጠጠው ከም ዘበላን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይሰርሕ ከም ዘሎን ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ገሊፁ። ኣብ 2012 ዓ.ም ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር መንግስቲ ብዝሃቦም መስርሒ ቦታ ብልዕሊ…

Read More